top of page
መለስ ሞተ
መልቀስ ንኣቶ መለስ
ንሓደ ሬሳ ነንበይኑ ብኽያት
ንሞቱ ኣሽሓት ምኽንያታት
ንመፋነዊ ዝኸውን ዘይተረኽቦ ንብዓት
ሃገር ገማሚዑ ዘውረዳ ንሓረጣ
ጥራያ ኣትሪፍዋ ዘይንቡር መሸጣ
ርእይቲ እዝጊ ታሕቲ ምቕማጣ
ቱጃር ዓረብ ከተረፈ
ቱጃር ቻይና ህንዲ
ተሸጥ'ታ ሃገር ንሓላፍ መንገዲ
እዚ ድዩ እቲ መለስ ብዓል ራኢ
ኣይብሎን ኣነ ትብልዎ እንድዒ
ኣብ ግጥሚ"ዚ ክሰማማዕ
ኩሉ በኽዩ
ንብዓት ኩሉ ግና ምውጻእ ኣብዩ
ንብዓት ዝበሃል ኣይነበረን
ኣዒንቲ እንታይ ድዩ ኔሩ ስርሐን
ጸረር ከየብላ
ምሉእ መዓልቲ ወዓላ
እንታይ ድዩ 'ቲ ልቢ
ቁሩብ ኣይነበረን ሰሓቢ
ኣቶ መለስ ተዛራቢ
ኣቶ መለስ ሓሳቢ
ተባሂሉ ኣብቲ ቀብሪ
ካብ ኩሉ ምዝራብ
የዒንቲ ካን ስኢነን ንብዓት
ንሰይቶቦይ ሰይተቦኣ መይታ
ቀብሪ ከይደ ነረ መሰነይታ
ኣብዛ ዓይነይ ዘይነበረ ጸረርታ
ኣብዛ ዓይነይ ዘይብላ ሕርርታ
ከም ዝበሃል ኮይኑ
ኣቶ መለስ ተሳኢኑ
ዓይኒ እንታይ ድዩ ስርሑ
ኣፍ ሌፍ ዓይኒ ጎሪሑ
bottom of page