top of page



ጸሓይ ዘይትዓርቦ ህዝቢ
መን ከማኻ
ነብዕል ብፈገግታ
ንጨድር ብዓውታ
ንሳ ናትና ንሕና ናታ
24 በጺሑ ዓመተ ልደታ
ሃገር
ሓያል ህዝቢ
ሓያል መሪሕነት
ሓያል ሰራዊታ
ኣብ ካልእ ዘይርከብ ዘይፍታሕ ቅናታ
ሃገር ሕቡር ህዝቢ
ሃገር ብሓደ ንስሓቕ ተነጻጺልና ኣይንብከ
ሃገር ሰሚርና ንስራሕ ተፈላሊና ኣይንገዳዕ
ሃገር ተሓቛቚፍና ንሸገር ተረሓሒቕና ኣይንብላዕ
ሃገር ሓደ-ነትን ክብርን
ሃገር ትግሃትን ጻዕርን
ሃገር ቅድሜኻ ንስኻ ጽናሕ
ሃገር ሕድሪ ሃገር ታርኽ
መመሊሱ ዝዓሙቕ
መመሊሱ ዝብርኽ
ብፍቓዱ ካሕሳይ
ንጽንብል 24 ዝተገጥመት
መዓልቲ ጽንብል ናጽነት ሃገርና
ኣብ ሳንታ-ሮዛ





ሰንደቕንና
ኣንበልብሊ ኣንመልብሊ
ጨርቂ ኣይኮንክን
ብወሓለታት ትጥለፊ
ዓለባ ኣይኮንክን
ብስድሪ ትዕጸፊ
ኣርማውን ኣይኮንክን
ኣበ-ኣዕኑድ ትልጠፊ
ደም ሰቲኺ
ዓጽሚ ሰርኪ
ክልቲኡ ሓደ
ናትኪ ገዝሚ
ናትኪ ገዝሚ
ሓያል ክንክን .....ንስኺ ጐይታ
ኣንበልብሊ ሰንደቕና
ኣብ ማእከልተን እንትርፎ ማይ
ደም ዘይሽትታ
ብፍቓዱ ካሕሳይ
bottom of page