top of page

ጸሓይ ዘይትዓርቦ ህዝቢ

መን ከማኻ

 

 

 

ነብዕል ብፈገግታ

ንጨድር ብዓውታ

ንሳ ናትና ንሕና ናታ

24 በጺሑ ዓመተ ልደታ

ሃገር

ሓያል ህዝቢ

   ሓያል መሪሕነት

ሓያል ሰራዊታ

ኣብ ካልእ ዘይርከብ ዘይፍታሕ ቅናታ

 

ሃገር ሕቡር ህዝቢ

ሃገር ብሓደ ንስሓቕ ተነጻጺልና ኣይንብከ

ሃገር ሰሚርና ንስራሕ ተፈላሊና ኣይንገዳዕ

ሃገር ተሓቛቚፍና ንሸገር ተረሓሒቕና                                       ኣይንብላዕ

 

ሃገር ሓደ-ነትን ክብርን

ሃገር ትግሃትን ጻዕርን

     ሃገር ቅድሜኻ ንስኻ ጽናሕ

ሃገር ሕድሪ ሃገር ታርኽ

መመሊሱ ዝዓሙቕ

መመሊሱ ዝብርኽ

 

ብፍቓዱ ካሕሳይ

ንጽንብል 24 ዝተገጥመት

መዓልቲ ጽንብል ናጽነት ሃገርና

ኣብ ሳንታ-ሮዛ 

 

 

ሰንደቕንና

 

 

ኣንበልብሊ ኣንመልብሊ

 

ጨርቂ ኣይኮንክን

              ብወሓለታት ትጥለፊ

 

ዓለባ ኣይኮንክን

               ብስድሪ ትዕጸፊ

 

ኣርማውን ኣይኮንክን

            ኣበ-ኣዕኑድ ትልጠፊ

 

 

ደም ሰቲኺ

ዓጽሚ ሰርኪ

                      

                 ክልቲኡ ሓደ

                         ናትኪ ገዝሚ

                          ናትኪ ገዝሚ

 

 

ሓያል ክንክን .....ንስኺ ጐይታ

    ኣንበልብሊ ሰንደቕና

ኣብ ማእከልተን እንትርፎ ማይ

       ደም ዘይሽትታ

 

 

 

ብፍቓዱ ካሕሳይ

bottom of page