top of page

ኣስመራ ቤላ

ግጥምታት

ቅውም-ነገር ብዋዛ 

ሕሹኽሹኽ ገደና ሓርነት

 

እንግል

 

 

 

 

 

 


እዚ ሕሹክሹኽ ገደና ሓርነት ኢለ ገጢመዮ ዘለኹ ነቲ ሰነን ሓምለን 2016 ናብ ሃገርና መጺአ ከለኹ ኣብ ገደና ሓርነት ዝሰማዕኩዎ ኩሉ መረረ ጥራይ ጽባሕ ዝበሃል መዓልቲ ከም ዘየለ ጌሮም ዝዛረቡ ዜጋታት ምስ ረኸብኩ ዝወሰድክዎ ሓሳብ እዩ። ካብ ዘግሃየኒ ስለምንታይ ኢኹም ኣብ ነዚ ዓለም ሽግርና ርእያ ነዚ መንግስት'ዚ ጸቕጢ ኣብ ትገብረሉ ዘላ እዋን ነዚ መንግስትዚ ክሳብ ክንድዚ ትሓለቑሉ ዝብል ክደጋገም ምስ ሰማዕኩዎ ዝመጸኒ ሓሳብ እዩ ፡ እቲ ኣብ ሃገረሰብ ዝነብር ህዝብና ዛዕባ ዝናብን ሕርሻን ጥራይ ኣብ ዝዛረበሉ ግዜ ።

 

 

 

 

 

 

ናቱ ገደናን ጐደናን መንገድን....ዶብን መቓንን ዶቡ ከይጠሓሰ

ዶብን መቓንን ደኲኑ

ኣብ ናቱ ጽላልን ቨረንዳን ኣሳፊሑ

  • ኣጋርን ሽዩማትን/ተለኣኽትን ለኣኽትን / መዚዙ

  • ወረ ንስለ ወረ ..ፍጥነቱ ካብ ሰብ ናብ ሰብ እናወሰኸ እና ጐደለን

  • እናወረደን እናደየበን ...እናጸለመን እናቀሐን ንስለ ኣመል........ይጋልብ

ጸሐዩን ዝናቡን ንኢላቶ ኢልዎ ተወንዚፉ....

ድምጺ ዝቐድሕን ቀራጽ ስእሊ ከይደለየ

ክንፉ ዘርጊሑ እዝኒ ንእዝኒ ኣለቂሑ..እዝኒ ካብ እዝኒ ሰሪቑ እናቀድሐ እናባዝሐ

  •  

  • እንዳስዋ እንዳባራት

እንዳሻሂ እንዳ ሜስ

ኣብያተ-ጽሕፈትን ኣብያተ-ትምህርትን

ኣብያተ-ክርስትያንን መሳጊድን

….... ከይተረፈ

 

ከም ሕያዋይ በጻሒ.. ከም ብጹእ ብኹሉ ዝእመን

ንኩሉ ጸበሉ ኣጥዒሙ መርዝታቱ ኣምዒጉ

ክወጽእ ከም ዝኣተዎ ከይተጸገመ

መሞቕቲ ኩርሲ ካድራት ወረ መልሚሉ

ጸሓይ ሓንሳብ ምስ ዓረበት ትምለስ ዘይመስሎም

ሽግር ጥራይ ዕላሎም....ሰላም ዝሃደሞም

  • ዒሚምን ምኒንን መዝሙሮም...ብኾፎም ዝርህጹ
  •    መዚዙ ወረ ኩሉ ነገር ንኹሉ ክንዲ ኩሉ ኮይኑ
    • ወረ ከም ድሌቱ ከም ዕግበቱ ኮይኑ

      ይሽየጥ የሻይጥ

      ይግዛእ የግዝእ የጋዝእ

      ይስማዕ የስምዕ የሰማምዕ

      ወረ ጐደና ሓርነት ንኻልእ ገጽ ወአር ኣስመራ

    • ሓመይትን መተሓመይትን.......ዝጣቋኦም

  • ይነግድ ይነግድ የናግድ.....ይድልል የዳልል ይድለል

  • ይዘምት ይዝመት የዛምት...ይእሰር ይኣስር የተእስር

  • ክሓሚ ክሕመ ከተሓሚ....

    …...........ውዕሉ ይሓድር

  •  

    ወረ ጐደና ሓርነት
    • ስንቂ ሃካይ

    • ሓቂ ምዝራብ ዘይናቱ

    • ሓሶት መበቆሉ

    • መዓስከር ንኹሉ መውረዪ

    • ወረ ይስሕብ ወረ ይፍኑ ….ይስተ የስቲ የሳቲ

    • ይሰከር የስክር የሳኽር.....

      ብኽሳራ ጀሚሩ ንኽሳራ ይውዳእ.

       

      ፍጥነት ወረ ጐደና ሓርነት ንዓቐብን ንቁልቁለት ዝኸውን ስበት ኣለዎ

    • ይነፍጽ ይሕምበብ.....ይዝሕል ይድቅስ

    • ይደፍእ ይድፋእ....ሓይሉ ይጽንቅቕሞ ይመውት ይቕበር

      ቀብሩውን ንሰሓቕ ቦትኡ የረክብ ...ፈገግታ የስሉኽ እዚውን ወረ ይኸውን

ከምዚ እዩ ወረ ገደና ጐደና ሓርነት

 

ኣብ ገደና ጐደና ሓርነት ወረ

  • ወረ ይውዳእ ወረ ከይኮነ...ደንገት ድማ የስሕቕ

  • ወረ ተወዲኡውን መስሕቕ እዩ ..መጀመሪ ስሓቕ

     

    ምውዳእ ወረ ኣብ ገደና ጐደና ሓርነት ቕጭ ኣየምጽእን,ዩ የግዳስ ወረውንዩ

    ከምኡ ምዃኑውን መስሓቒ እዩ

    ወረ ንወረ ይጽበ ….ይጽበ ንሱውን ወረ ይኸውን ንሱውን ብግዲኡ

    • ኣስምሒቑ ጸኒሑ የጉሂ...ከሕስብ ከምዘይጸንሐ ይጠፍእ

    • ለዓትን ሸኾሮን ኣርዑትን ዕርፍን ብዘይ ነዊት ይጸምድ

    •  

      ስበት የንውሕ...ስበት የሕጽር

      ጐርቢ ይፍንቅል...ብዘይትልሚ ይዘርእ..ይዝራእ የዛርእ

    •  

      ኣብቲ ገደና ጐደና

      በጊዕ ንዝብኢ ጐያቶ ጤል ንዝብኢ ሓንፍጣቶ

      ብዕራይ ወሊዱ...ላም ተዛሪባ ….እዚውን ወረ ይኸውን

       

      ወረ ገደና ጐደና ሓርነት ኣብ ገደና ሓርነት እንተዘይነፊሱ መወዳእታ ዓለምዩ ዝmእቲ ዕላል ስቕ ኢሉ እዩ ዝፍቶ ኽርሕቐካውን ኣይትመርጽን ወልፊ እዩ ነስመሪኖስ .ኣስመሪኖስ ክንዮ ወረ ለዋሃትን ፈተውቲ ሰብን ተሓቢኡ ወይ ተጐልቢቡ ዝበልዕ ሰብ ዘይብሎም. ኣስመሪኖስ ብዘይ ዕላል ኣስማሪኖስ ሄውት ትርጉም የብሉን.

bottom of page