top of page
መኸተ ከም ቀደምና
ንመክት
መኸተ ብድምጺ.........ብብርዒ
መኸተ ከም ቀደም
ሎሚ ከም ትማሊ
ነርእዮም ነስማዓዮም ንመጉቶም
መኸተና ኣይኮነን ንስለ መኸተ
ጸላእትና ኣይረብረቡ
ንሕና ኣይደኸምና......ክቕጽልይ'ዩ መኸተና
እንቋዕ ልሕሉሕ ኣይኮነ ሓደነትና
ክንዮ ስቕ ክንዮ ልመና
ንክብርና ንናጽነትና ክንብል
ተኾርሚና ኣይንደቅስ
'ተደቀስና ኣይንርሕንኽ
መኸተ...
ብሙቐት ጸላኢ ኣይንበስል...ብቑሩ ኣይንኽርድድ
ኣብ መኸተ......ንፍንተር...ንዕጽቕ...ንስውድ
ንመርዞም ኣይንምዑግ ….ብነጎዳ ሓሶቶም ኣይንስብድ
እኳ ደኣ!
ሓደ-ነትና ነጥብቕ.....ንሓድሕና ንጠያየቕ....
ልዕሊ ንቡር......ንጣበቕ
ኣይባህርናን'ዩ.... ወለቕ-ዘለቕ
ኤርትራዊ መኸተና ህላወና
6-6-2016
ብመኮነን ድራር
bottom of page