መልእኽቲ ሓጐስ
መልእኽቲ ሓጐስ
ን ክቡር
ዶክ. ኣቢ ኣሕመድ ዓሊ
ጠቕላሊ ምኒስተር ምኒስትሪታት ኢትዮጵያ
ፈታዊ ህዝቢ ኤርትራ
ብጻይ ቃልሲ ንተጋዳላይ ኢሳያስ
ኣቦ መንበር መስረቲ ኣቦታት ኤርትር
እንቃዕ ተሓጐስካ
ዶክ.ኣቢ /ዓቢ/ እንቃዕ ተሓጐስካ ዘብለና ምክንያት ክንብል ስለ ዝደለና ዘይኮነ ነቲ ንሰላም ዘለካ ሓሳበ-እምነትን ንሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ከባቢናን ተስፋ ዝህብ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ምስ ተጋዳይ ኢሳያስ ዘለካ ቅርበትን ካብ መራሕቲ ኢትዮጵያ ሰሚዕናዮ ስለ ዘይንፈልጥ ንዓና ታሪኻዊ ሰብ ኢኻ , ነቲ ኣስሎውያን ዝወሰድዎ ጐላሊ ሕርያመርገጽ ግና ነቲ ኣብ 50ታት ዘይንርስዖ መርጋጾም ከም ዝደገምዎ እዩ ዘዘክረና ጉዳይ ኮይኑ ነቲ ዝሕለፍካዮ መልእኽቲ ዛዕባ ተጋ/ኢሳያስን ህዝቢ ኤርትራን ኣኽቢርካና ክብሪ ይሃብካ።
ዶክ. ኣቢ/ዓቢ/
ንሰጋጢ እገዳ ካብ እንግደዓና ክወርድ ዝገበርካዮ ተበግሶ ካብ ቃላት ሰጊሩ ብግብሪ ዝረኣናዮ ዓቢ ቅዉም-ነገር ብፍሉይ የቐንየንየልና እንተበልና ነቲ ኣብ ልዕሌና ዝተወስደ ዓማጺ ውሳነ እናዘከርና ኢና፡፡
ንሕና ኤርትራውያን ነዛ ክንነብር ዝገበርናዮ ውግእ እምበር ከም ውግእ ጌርና ንጸልኦ የለን , ካብ ዝሓለፉ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዛዕባ ሰላም ምሕሳብ ከቢድ ነገር እዩ ኔሩ , ሰላም ንኽልቲኡ ኣህዛብ ኣድላዪ ክነሱ፡፡ ብሰላም ምምጻእካንሉምሉም ኣካልና ዳህሲስክዮ ነዚ ዝመስል ሓጐስ ተሓጒስና ኣይንፈልጥን, የቐንየልና.
ውሉዳት ነቦኦም ከመስግኑ ቅቡል እንተኮይኑ ልዕሊ ኩሉ ነመስግኖ ንተጋ/ኢሳያስ ኣቦ መንበር መስረቲ ሃገር ንኹሉ ኣብ ልዕሌና ዝወረደ ፈታኒ እዋናት መሪሑ ተጋዲሉ ዘጋደለና ኣቦ ኤርትራ እንኣምኖ እምበር ዘይንፈትዎ ((እምነት ካብ ፍትወት ይዓቢ)) ከም ርክብ ሓያል ኣቦን ደቁን ተመራሪሖም ዝኸዱ እዩ፡ ተጋዳይ ኢሳያስ “፡ኣይሕሱ ኣይሰርቕ ኣይውግን፡እሙን ብጻይ ንቓልሲ ረኺብካ ኣለኻ, ከምዚ ጀሚሩ ዘሎ ጉዕዞ መንፈስ ሰላም ክቕጽል ዘለና እምነት ልዑል እዩ ፡፡
ኣብ መወዳእታ ናቕፋኦንላይን ዘሕስባ ጉዳይ ስግኣታ ከተሕልፍ ቅኑዕ ኮይኑ ይስመዓ ፡
ዛዕባ ሸመታ ኣጽዋር , ሰላም እናተባህለ ክንድዚ ዝኣክል ሸመታ ኣጽዋር ኣድላይነቱ እንታይ እዩ ? ካብ ሕሉፍ ተመኩሮና ተበጊስና ክንሪኦ ከለና ኢትዮጵያ ዝሸመተቶ ኣጽዋር ኣብ ልዕሌና እዩ ዘኒቡ , ንሱ ዝፈጠሮ ስግኣት ኣለና , መብርሂ ካባኻ ፡ ኣብ መወዳእታ ንዝክሮን ንርስዖን ስምብራት ስለ ዘለና
ምስጋና ምስ ምሉእ ሰላም
ናቕፋ ኦንላይን ሕዳር 29-19