top of page

ተኾርምዩ ዘይድቅስ

ኣንጊሁ ዝወፍር...ቀልጥፉ ዘይምለስ

ተሓጒሱ ዘይቅልጥፍ

ጉህዩ ከዓ ዘይተርፍ

ተጸሚሙ ዝጐዓዝ

ደኺሙ ዘየዕርፍ

 

ሓንቲ ዘረብኡ ከም ወርቂ ቀለም

ሚእቲ ግዜ ዝድገም

ዓርኪ ቆልዑ .. ዝበልሕ ኣብ ጸገም

 

ዘቅየር ሕብሩ

መማዕደዊ ዋላ

ሓንሳብ ዝጠመታ ኣብ ከዱ'ላ

ተሃዊኹ ዘይኣቱ

ብዘብዘብ ብጉያ

ኣድቂቑ ዝጥምት......

ንጥልመት

ንጉርሒ

ንሸርሒ......ጠባያ

 

ንህዝቢ

ንሃገር...ክብል

ሓሲቡ መምዩ ዘይቅበል ሓረጣ

ቁንጣሮ ትዃቦ ዘስዕበልካ ጣጣ

 

ካልኣይ ገዛኡ

               ኣብ ሓጽቢ ዓዲ-ሃሎ

ቤት ጽሕፈቱ ቴንዳ ደሮና ዘይፍለዮ

 

መዓስከር ደሮና

ንፋስ ዝፋጽየሉ

ኣብዝን ኣብትን

ኣእማን ተፈንቒሉ

              ንሱ ኣብኡ መዓሉ

ኣድናቖተይ ዓብዩ መገጺ ስኢነሉ

 

የቕንየልና ፕረሲድንትና

ዕድመ 'ሃብካ ክጥዕመና ንዓና

%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%

 ታሪኽ ካብ ብጊሓቱ

              ካብ 1966 ክሳብ 2020

 

ተጋዳላይ ኢሳያስ ከም ሰብ ዝደልዮ ዝነበረ ናጽነት እምበር ካልእ ኣይተመንየን ። ነዚ ድሌት እዚ ናብ 53 ተመሊስካ ምስ ትሓስብ ጥራይ እዩ ክብደት እቲ መልእኽቲ ንጹርነት ዘለዎ፡ ናብቲ እዋንቲ ምምላስ እምበኣር ( 1967) እታ ዝነበረት መርሕነት ተ. ሓ . ኤ ከመይ ጌራ ንተጋደልትን ህዝብን ተቃልስ ኔራ ምሕሳብ ነቲ ሽዑ ዝንበረ ምረት የርእየካ፡ ብርግጽ ተጋ/ኢሳያስ ካብቲ ዝካየድ ዝነበረ ንመጻኢ ሓያል ተመኩሮ ቀሲምሉ እዩ ፡ ካብኡ ተበጊሱ ከዓ እዩ ኢሳያስ መንዩ ኢሎም ጋዘጠኛታት ኢሳት ምስ ሓተትዎ.. ኣነ ውጺኢት ቃልሲ እየ ኢሉ ዝመለሰ ፡ እቲ ክዉን ሓቂ ከምኡ እዩ።

 

 ሓደ ተጋ/ ክንድዚ ዝኣክል ተመኩሮ ተሰኪሙ ተመኩሮኡ ንህዝቢ ዘይምክፋሉ ሻቕሎት ዝፈጥር ጉዳይ እዩ ፡ ጸኒሕካ ምርሳዕን ምድካምን ስለ ዘሎ ኩሉ ዛዕባ ሃገራዊ ታሪኽና ዝግደስ ሰብ በቢዘሎዎ መራኸቢ ሕድርኻ ፍልጠትካን ተመኩሮኻን ኣካፍልና ንበሎ ፡፡

 

  ምሉእ ጥዕና ንምነየሉ

  ዓወት ንሓፋሽ

  ብመኮነን ድራር

 

bottom of page