

መርዓ ስዉኣት
መርዓ ሕጸ ዝግበኦም ሰማእታትትና
ኣብ ክንዲ መርዓ ሕጸ
ለምለም ዳስና
ህዝብና የብጽሕ ኣሎ
ጸሎት ናይ ሕልና
ቅያኹም ሓያል
ክብርኹም ከቢድ
ሰማእታትና ሰማእታትና
…....ወትሩ ኣብ ልብና
ታባታት እንታይ ኔሩ
እንታይ ኔሩ እቲ ኩሉ መከራ
ንስለ ህዝቢ ንስለ'ዛ ባንዴራ
መዓት ህልቀት ምስ ዓዳዅ ፈኸራ
ሳላ መስዋእትኹም ሃገርና
ኮይና ሓራ
ቅያ ጅግንነትኩም
ዘይርከቦ መሰታ
ንስኹም ናሕሳ ንስኹም መሰረታ
ሳላኹም
ሃገርና ኮይና ክልተ ክረምታ
እወ ኮይኑ ክልተ ክረምታ
ስዉእ ጅግና
ስውእቲ ጅግና
ሃገር ለሚዓ.....
ሕድርኹም ክንፈጽም..ንኣቱ
ንኣቱ መብጸዓ

ናብ ትግራዋይ ተስፋጽየን
ዝዘርጋሕካዮ ቪድዮ ተዓዚበስ ካብ ኩሉ ዝገለጽካዮ ሓንቲ ኣገዳሲት ኮይና ረኺበያ ናብኣ ኣትኲረ ፡ ብስከ መልሲ ክህበካ እምበር ሓደ ኤርትራዊ ኮይኑ ንሓደ ትግራዋይ መልሲ ክምልስ ዘይሕሰብ ነገር እዩ, ንሎሚ ክብል ግና ናብ ትግራዋይ ክጽሕፍ ኪኢለ , ምኽንያቱ ኤርትራዊ ኮንካ ንትግራዋይ ምጽሓፍ ንነፍስኻ ናብ ደረጃ ተጋሩ ምውራድ እዩ ,ንሎሚ ክብል ግና ክወርድ.
ኣብ ቪድዮኻ ከምቲ ልሙድ ንሃገራውያን ደቂ-ኤርትራ ምጽራፍ ደስ እዩ ዝብለካ ስለምንታይ ከምኡ ትገብር ግና ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን ንስኻ ሓደ ነቶም ኣብ ፈቐዶ ሻውላት ተሴኲዖም ዝነብሩ እትኒዓሸር ዝመስል ጠባይ ስለ ዘለካ ኢኻ ነንስቲ ትጻረፍ ዝለኻ'ምበር ኣንስተይቲ ክብርቲ ፍጥረት እያ ፡ ኣብ ባህሊ ኤርትራ ንሰበይቲ ዝጻረፍ እቲ ዝሓመቐ ሰብ እዩ ፡ ንዓኻ ግና መንፈዓት እዩ.
ናብ ቀንዲ ጽሕፈተይ ክኣቱ ሃገራዊት ደሃብ ኣብ ቲቪ ኢርትራ ቃለ ሓተታ ጌራ ዛዕባ ግጥምታት መዓስን ከመይን ከም ዝጀመረት ገሊጻ ኔራ ፡ ሃገራዊት ደሃብ ዘይገበረቶ ጌረ ኣይበለትን ኣብቲ እትነብረሉ ኣመሪካ ገጣሚት ምዃና ዘይፈልጥ ሰብ የለን ክበሃል ይከኣል እዩ , ከምኣ ክበዝሓውንዩ ትጽቢት ኩሉ ,ንስኻ ነቲ ንሳ ዝበለቶ ኣይተዋሕጠልካን ጥራይ ዘይኮነ " እዛ ሰብ ትሩፋ እያ ትመስል እሞ ትፈልጥዋ ኣድራሽኣ ንገሩኒ ክትብል" ሓቲትካ. በቲ'ልካ በቲ ኣድራሽኣ ንምርካብ ክትረክብ እንታይ ጸገም ኣለዎ ደሃብ ንመድረኽ ፈስቲቫላት ብዓውታ እንተዘይገጢማትሉ እቲ ፈስቲቫል ቁሪ ዝኾና . ደሃብ ካልእ ብልጫውን ኣለዋ ሃገራዊ መትከልን ጽልኢ ወያነን... ንስኻን ከማካን ተጸዋዊዕኩም ንእንዳ ወያነ ኣ.ኣ ዞኽ..ዞኽ ክትብሉ ከለኹም ደሃብ ግና ንወያነ ጠራሮ ኢላ ትገጥመሎም ኔራ ፡
ተስፋጽዮን
ሕማምካ ካልእ እዩ , ስለምንታይ ንተጋዳይ ኢሳያስ ኣድኒቓቶ ከብድኻ ዝረመጸካ ጉዳይ እዩ . ደሃብ ሎሚ ጥራይ ኣይኮነትን ንተጋ. ኢሳያስ ኣድኒቓቶ ኣብ ምብጻሕ ኒው-ዮርክ ተጋዳላይ ፕረሲደንትናውን ኣብ ቅድሚ ልዕሊ 4 ሺሕ ኤርትራውያን "ብኣኻ ዕግብቲ " እየ ዝበለቶ ኣብ ዩትዩብ ኣለካ ,
ኩለን እተን ክትጸርፈን ቃሕ ዝብለካ ሓርብኛታትውን ካብ ናይ ደሃብ ዝፍለ እምነት የብለንን ,ከምኡ ዘግበረን ክንዮ ሃገርነት ንተጋ.ኢሳያስ ንኣግእዞ ደቀ-ንስትዮ መሪሕ ተራ ስለ ዝጻወት ኣቦ-ፍናን ስለ ዝኾነውን እዩ፡፡
እስከ ኣድራሽኣ ረኺብካ ኣብታ ኩርናዕ 2ብ2 ማይ ሰትያ ኮፍ ዝበለት ዘቕባብ እንቁርዖ ክትመስል ኮንካ ተዛረብ እሞ ክንሰምዓካ.
ብኣባል ናቕፋኦንላይን.ካም
4-6-18
ዓወት ንሓፋሽ
