top of page
From
Brhan-wegahta
ጽላተ-ኤርትራውያን
ኣብ ትሕቲ ጸሓይን ድነን ኤርትራ
ኤርትራውያን
… ኣብ ኩሉ ንዝብሉዎ ማለታት ..ዝህብዎ ትርጉማን
ዝህብዎ መልስታትን
...ኣብ ኩሉ ዝኽእልዎ ክእለታትን, ዓይነት ስረሓትን
...ኣብ ኩሉ ዝበጽሕዎ ቦታታት....ኣብ ሃገሮም ኮነ ወጻኢ
...ኣብ ዝሓስብዎ ሓሳብን....ዝትግብርዎ ተግባርን
...ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዘረባታት....ንዋዛ ይኹን ንቕዉም-ነገር
...ኣብ ኩሉ ዓይነታት ደርፍታትን መዝሙራትን ..ንስጋዊ ይኹን መንፈሳዊ
… ኣብ ኩሉ ብኽያታትን ሓዘናትን ምስ ሃገር ዝተኣሳሰር ምስ ዝኸውን
ዝያዳ ክብደት ዝያዳ ለውሃት ካብ መዓሙቕ ዝፍልፍል
...ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ጸሎት ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ካብ ሙፍትን ጳጳስን
ክሳብ ተራ ኣማኒ
...ምስ ነፍሲ-ወከፍ ምስጋና ንሰብ ይኹን ንፈጣሪ
ንኤርትራውያን ኤርትራ ክትህሉ ኣለዋ
ኤርትራ ንኤርትራውያን መጀመርን መዛዘምን እያ።
ብፍቓዱ ካሕሳይ
ነሓሰ-28-1999
bottom of page