top of page

From

Brhan-wegahta

 

 

 ጽላተ-ኤርትራውያን

 

ኣብ ትሕቲ ጸሓይን ድነን ኤርትራ

 

ኤርትራውያን

ኣብ ኩሉ ንዝብሉዎ ማለታት ..ዝህብዎ ትርጉማን

ዝህብዎ መልስታትን

...ኣብ ኩሉ ዝኽእልዎ ክእለታትን, ዓይነት ስረሓትን

...ኣብ ኩሉ ዝበጽሕዎ ቦታታት....ኣብ ሃገሮም ኮነ ወጻኢ

...ኣብ ዝሓስብዎ ሓሳብን....ዝትግብርዎ ተግባርን

...ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዘረባታት....ንዋዛ ይኹን ንቕዉም-ነገር

...ኣብ ኩሉ ዓይነታት ደርፍታትን መዝሙራትን ..ንስጋዊ ይኹን መንፈሳዊ

ኣብ ኩሉ ብኽያታትን ሓዘናትን ምስ ሃገር ዝተኣሳሰር ምስ ዝኸውን

ዝያዳ ክብደት ዝያዳ ለውሃት ካብ መዓሙቕ ዝፍልፍል

...ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ጸሎት ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ካብ ሙፍትን ጳጳስን

ክሳብ ተራ ኣማኒ

...ምስ ነፍሲ-ወከፍ ምስጋና ንሰብ ይኹን ንፈጣሪ

 

ንኤርትራውያን ኤርትራ ክትህሉ ኣለዋ

ኤርትራ ንኤርትራውያን መጀመርን መዛዘምን እያ።

 

                                         ብፍቓዱ ካሕሳይ

                                          ነሓሰ-28-1999

 

 

 

bottom of page