top of page
ንሕናን ዕላማናን
ሓዳስ ኤርትራ 24 ጥቅምቲ 2019
ወኒን ባህላውን ዘበናውን ከበሮን
ወኒን ባህላውን ዘበናውን ከበሮን
ከበሮ ስምዒት ዝህብ ጥራይ ዘይኰነ ቀልቢ እውን ዝሰልብ እዩ - ንተጻዋቲኡ ኰነ ንሰማዒኡ። ከበሮ ትሪም እንተደኣ ኢላ ብድድ ኢሎም ሂፍ ዝብሉ፡ ሓያሎ እዮም።
ከም ወናም ሃራም ጭራ-ዋጣ ኤልያስ መስመር፡ ጽቡቕ ዝሰማምዑን ዝሃርሙን ተጻወትቲ ከበሮ እንተደኣ ገጢመምዎ፣ ኣብ ጓይላ ንዝዓደመቶ ዓዲ ሰጊሩ፣ ባዕሉ “ሰልሶ” ብምባል፣ ነቶም ሰባት ዝያዳ ከም ዝሃርሙ ይገብር ምንባሩ ይዝረብ። ንጓይላ ከበሮ እዩ ዘመቅሮ። ዝተረፈ ድሕሪኡ እዩ። ወኒ ምስ ከበሮ እዩ። ሳዕስዒት እውን ብዘይከበሮ ኣይመጽኣልካን። ምስ ወኒን ከበሮን ዝተኣሳሰሩ ዝተፈላለዩ ንፈልጦም ዕላላት ይህልዉና እዮም። የሕያ ኪያር ሓደ ካብ ቀዳሞት ተጻወትቲ ጭራ ዋጣ እዩ። ኣብ ግዜ የሕያ ክያር - ምስ ምምጻእ ቴባት ዘለወን ማካይንን ምምላእ ደርፊታት ኣብ ናስትሮን እዩ። ሓደ ማኪና ዝሓዘ ሰብኣይ፡ ካብ መንደፈራ ናብ ኣስመራ ክብገስ ከሎ፣ ኣብ ብለኮ ሓደ ጎበዝ “ናብ’ዛ ቀረባ ተማልኣኒ” ይብሎ’ሞ፣ እቲ በዓል ማኪና ይማልኦ። ነቲ ተማልኣኒ ዝበለ ወዲ፣ ኣብ’ታ ማኪና ናይ የሕያ ክያር ናስትሮ ምስ ግሩም ህርመት ከበሮኡ ዚዝ ክብል ጸንሖ። ወዲ ሆየ ብኡ ንብኡ ኣፍልቡ ክድስቕ ይጅምር። ብኸም’ዚ፡ ምስ’ቲ ዋና ማኪና ብናይ በይኖም ጓይላ ንዅሉ ዓዲታት ጠሓሒሶም ኣስመራ ክበጽሑ ተፈለጦም። ሽዑ ድማ እዩ 10 ኪሎሜትሮ ኣብ ዘይትኣክል ክወርድ ዝነበሮ ወዲ፡ ደረቱ እናሃረመ ኣስመራ ምብጽሑ ዝተረድኡ። ግና ስሒቖም ትም በሉ ሓጐስ እዩ ነይሩዎም።
ወኒን ባህላውን ዘበናውን ከበሮን
በዓል ማኪና ብወኒ እቲ ዝተማልኦ ተሳሒቡ እዩ። ንሱ’ውን ዘውርደሉ ቦታ ረሲዕዎ እምበር፡ ክሳብ ኣበይ ኢሉዎ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ብድሕሪ እዚ፡ እቲ ተማልኣኒ ዝበለ በል እንዳሓፍተይ ማይ ተመናይ ኣብጸሓኒ በሎ’ሞ፡ ‘ኣይፋል፡ ምሳይ ኢኻ ትሓድር’ ብምባል ምስኡ ኣሕደሮ። ንግሆ፡ ንኺድ ኢሎም ተተሓሒዞም ንመንደፈራ ተመልሱ። ኣብ’ቲ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ዝነበረ መርዓ ጓል እቲ በዓል ማኪና ድማ፡ ቀዳማይ ተዓዳሚ ዓርኪ - ወዮ ወናም ነበረ ይበሃል። ጥልያን ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበሩሉ፡ ልዕሊ ኵሉ በቶም ወናማት ሃረምቲ ከበሮ ይግረሙ ከምዝነበሩ እዩ ዝዝንቶ። እቲ ከበሮ ደሊኻ ዝግበር ቅድድምን ቃልሲን፣ ንወኒ ጥራይ ዘይኰነ ንሰልዲ ይመስሎም ነይሩ። ከበሮ ስፖርት እውን እዩ። ቅኒት እኳ እንተዘይብሉ ምስ ተቐነይቲ መሳርሒታት ቃንዩ ዝሃርሞ ግና ክኢላ የድልዮ። ከበሮ እምበለ መጠን መሳጢን ሰላቢን እዩ። እዚ ግና ነዚ ባህላዊ ከበሮ ጥራይ ከይመስል፣ እቲ ዘመናዊ ከበሮ እውን ኣመና መሳጢ እዩ። እቶም ነቲ መልክዒ ዕንጨይቲ ሒዞም ዝጥብጥቡዎ ኣብ ስምዒት ብምእታው ዘርእዩዎ ወኒ እምበለ-መጠን ሰሓቢ እዩ። ከበሮ፡ ሓደ ካብቶም ብምልጋዕ ድምጺ ዝህቡ ዓይነታት መሳርሒ ሙዚቃ ክኸውን ከሎ፣ ብተፈላለየ መልክዕ ወይ ቅርጺ ድማ ይስራሕ። እዚ በዓል ሽፋን ንብረት፣ ቆርበት እዩ መልክዑ። እዚ ባህላዊ ኣብ ጉንዲ፣ ወይ ድማ ኣብ ዓይነት ታኒካ ይስራሕ። ብኢድ ሰብ ብቐጥታ ወይ ብመልክዒ ዕይጨይቲ ይግረፍ’ሞ፣ ድምጺ ይህብ። ንሙዚቃን
ምንቅስቓስ ኣይነቋርጽ. . . ዝዘሓለ ኰይኑ፣ ኣመና ሸናዕ ዝበለ ክኸውን የብሉን። ሓያሎ ሰባት፣ ከም መዘናግዒ ወይ ተወሳኺ ንጥፈት፣ ምንቅስቓስ የዘውትሩ። ዝተፈላለዩ ጉዕዞታት እዮም ዘለዉ። ናይ ጎቦ ጉዕዞ፣ ናይ ውድርር ጉዕዞ፣ ናይ ክብደት ጉዕዞን ወዘተረፈ። “ጉዕዞ፡ ምቹእ ዝዀነን ፍሉይ ንብረት ዘየድልዮን፡ ባዕልኻ እትቈጻጸሮ ልክዕ ከም ምስትንፋስ ባህሪያዊ እዩ” ይብል ጆን ባቸር። ጉዕዞ እግሪ፡ ሎሚ ኣብ ጥዕና ኣገዳስነቱ ስለዝተኣምነሉ፣ ብብዙሓት ዝሰዓብ ዘሎ ንጥፈት እዩ። ቀጻልነት ዘለዎ ጉዕዞ ብውሕዱ ኣብ መዓልቲ፣ ካብ 30-60 ደቒቕ፣ ንሓሙሽተ መዓልቲ ኣብ ሰሙን፣ እሞ ብቅኑዕ ኣቃውማ ብዝግበር ጉዕዞ፣ ብዙሓት ጠንቂታት ሕማም የጉድል። ዝተፈላለዩ ወይ ብዙሕ ነገራት ዘጠቓልል ጠቕሚታት ድማ ይርከቦ። ኣብነት ከም ሕማም ካንሰር፣ 2ይ ደረጃ ሕማም ሽኮር፣ ሕማም ልቢ፣ ጸቕጢን ቅዛነትን የጉድል። ሸቐልቀል የርሕቕ። መቐረት ህይወት እውን ከም ዝውስኽ ይገብር። ብፍላይ ብምኽሳዕን ጸቕጢ ደምን ንዝሳቐዩ፣ ፍቱን መድሃኒት እዩ። ጥንካረ ኣዕጽምቲ የወስኽ። ብፍላይ ናይ ምሕኩልቲ ዓጽሚ ኣገዳሲ እዩ። ኣካላዊ ብቕዓት ብሓፈሻኡ ጥንኩር ንክኸውን፡ ናይ እግሪ ጉዕዞ ኣገዳሲ እዩ። ንኣዕጽምቲ ጥራይ ዘይኰነ፣ ጭዋዳታት’ውን የደልድል። እዚ ይኹን እምበር፡ እቲ እትጐዓዘሉ - ኣይኰነን ንኣእጋርካ ንኣእምሮኻ እውን ዘይርብሽ ምቹእ ክኸውን ኣለዎ። ዝተጨቓጨቐ ተጐዓዚ ዘለዎን ቀልጢፉ ዘሰልቹን ክውገድ ዘለዎ እዩ። ፈኲስን ተበሪሁካ እትጐዓዞ - ምድፍፋእ ዘይብሉን ክኸውን ይምረጽ። ቀስ ኢልካ እትድይቦ ኰረቢት ዘለዎ እንተዀይኑ ድማ ዝበለጸ።
ንመረዳድኢን ድማ እዩ ዘገልግል። ከበሮ፣ ወኒ ዝሰልብ ድምጺ ብምዃኑ ዘነቓቕሕን ዘተባብዕን፣ ክሳብ ንኲናት ናይ ምቕያር ዓቕሚ እዩ ዘለዎ። ቀደም ብጀካ እቲ ንሓበሬታ ንምምሕልላፍ ኣቓልቦ ንምስሓብ ዝህረሞን፡ ንክተት ዝውቀዖን፣ ኣብ ግዜ ኲናት እውን ይህረም’ሞ ወተሃደራት ስምዒቶም ተላዒሉ፣ ብድፍረት ንክገጥሙ የገልግል ነይሩ። ኣብነት ኣብ ዘመነ ኲናት “ቂ” ን “ሉ” ን ዝተባህሉ ኣብ ቅድሚ 680 ዓ.ም ዝነበሩ መራሕቲ፣ ኣብ ቻይና ከምዝተገብረ ዝሕብር ጽሑፍ ከምዘሎ ዊኪፐዲያ ይጠቅስ። ከበሮ ብጀካ ብኸምዚ ዝተገልጸ ንሙዚቃን መረዳድኢን ዝዝውተሮ ይዛረብ እዩ እውን። ገለ ካብቶም ተዛረብቲ ከበሮታት ዝበሃሉ፡ ከበሮታት ኣፍሪቃ እዮም። እዞም ከበሮታት እዚኣቶም፡ ንቃና ኣዘራርባ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ብምቕዳሕ ዝተሰርሑ ብምዃኖም፣ ካብ’ቶም መሰጥቲን ብልሓት ዝሓለፎምን ብምዃኖም፣ ንርቀት ከበሮ ሓፍ ካብ ዘበሉ እዮም። በብዕብየቱ ድምጹን ንሓድሕዱ ብምውህሃድ ጥራይ ግሩም ሙዚቃ ክስራሕ ይከኣል። ሰብ ጥራይ ዘይኰነ እንስሳታት እውን ንከበሮ ከም መረዳድኢ ይጥቀሙሉ እዮም። ንኣብነት “ማካኮ” ዝተባህሉ ዓሌት ህበይ፣ ብተፈጥሮ ኣብ ኣእምሮኦም ንመረዳድኢ፡ ማሕበራዊ ከባቢ ንምኽላል፡ ዋንነት ንምርግጋጽ. . . ዘገልግል ድምጺ ከበሮ ንኸውጽኡ ዘገልግል ኣለዎም። ከም ካንጋሮ፡ ምጽጹላይ፡ ኣንጭዋ ድማ ብከብዲ እግሮም ምድሪ ብምጥብጣብ ክረዳድኡን ከጠንቅቑን ይጥቀሙሉ
ሃገራዊ ዘመተ ክታበት ጸረ-ሕማም ኣንቅጺ
bottom of page