top of page
ሰንደቕንና
ለሰ ገጠምቲ
ኣንበልብሊ ሰደቕና

ክራር
ክራር ክራር ንኩሉ ትኾኒ
ሓዘን ተብዝሕሉ ንኹሉ ቆዛሚ
ባህታት ፈጥርሉ
ሓጐስ ተስንቕዮ ….ንቀናዪ ገጣሚ
ትንፋስ ትህብዮ ምስ ኩሉ ዘሳኒ
ክራርባ ክራር
ልቢ ትብርብሪ
ኣዒንቲ ተንቂሒ
እግርኺ ምድሪ ከሎ
ሰማያት ትበጽሒ
ጽምዋ ከይውሕጠኒ
ኣብ ቅድመይ ድኣ ጽንሒ
ሓንሳብ ተኾርዪ
ስዒብኪ ተስሕቒ
ጽምዋ ከይበልዓኒ
ኣብ ዝከድኩዎ ኣብ ዝኣተኹዎ
ዝኾኖ ክመርጽ ምሳይ ድኣ ኩኒ
ብፍቓዱ ካሕሳይ 12-2-1994
bottom of page