top of page

ተረንሺዋ

እኽሊ ተረንሺዋ …..ከብዲ ከይኣተዋ

ቀዲመን ይንቅዋ.....ኣይዝርኣ   ተተዘርኣ      ኣይኣትዋ

 

ኣንጊህካ ዘየውፍራ...ጸማድ ኣብዑር ዘፍትሓ

ኣርዑተ ነዊት ኣደርብየን....ክኸፍእ ምጽባየን

ክፉእ ወልፈን

ዘይመጻ

 

እንተመጻ ኣይኣኽላን

በሊዕካ ኮፍ ኣየብላን

ክፍኣተን ኣይሓቃን

ግናያት እኽሊ መዓስ እኽሊ ኮይነን

 

እኽሊ ተረንሺዋ

እኽሊ መሲለን ሓዊ ዝዘርኣ

ክንደይ ህዝቢ ብኸምዚ ጠፊኣ

ብ ክንዲ ኣብዑርካ ምክንኻን

ግራትካ ምድዃዕ

ወግሐ-ጸብሐ- ንቁንጣሮ ምስራዕ

ኢትዮጵያ በዚ እያ ትልካዕ

 

የትኩዑኻ መንጊጎም

          ክቕጽልዩ.......

 

ብፍቓዱ ካሕሳይ

ዘይርብርብ ዊጥ

               ኢድ ንልማኖ

ባህሊ ኮይኑ ኣዝዩ ዘይምኖ

ኢትዮጵያ ኣጕላዕሊዓ እያ

11% ን5 ዓመታት

ሓደ ካባኹም ናባይ እንተ ዝቐረበ ከቃብጾ እየ  ኣነ ወያናይ ኣነ ኮፍ በሉ.

bottom of page